Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያ ኣፍራዪ ሲሚንቶ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ዓውዲ መዋእለ ንዋይ ንምፍሳስ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበው ምስ ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ኩባንያ ሲኖማን ዋና ዳይሬክተር ትካል ሲ ኤን ቢ ኤምን ሉ ያን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ እቲ ኩባንያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ሲሚንቶ መዋእለ ንዋይ ምፍሳስ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣምባሳደር ተፈራ÷ እቲ ኩባንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ፋብሪካታት ሲሚንቶ ካብ ዲዛይን ጀሚሩ ኣብ መዳይ ህንፀት ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘሎ በዝሒ ህንፀት ጠለብ ሲሚንቶ እናወሰኸ ከምዝመፅአ እውን ኣምባሳደር ተፈራ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ልዑል ጠለብ ሲሚንቶ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ኩባኒያ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት እንተዝኣቱ ሓበራዊ ተረባሕነቱ ሰፊሕ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 18 ክሳብ 20 ሚያዝያ 2015 ኣብ ዝካየድ ፎረም ኢንቨስትመንት እቲ ኩባንያ ተሳታፊ ንኽኸውን ምግባዞም ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመላኽት፡፡

ሉ ያን ብግደኦም÷ ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ሲሚንቶን ሓፂንን ወሰንቲ እታወታት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ዘበኑ ዘፍረዮ ብሉፅ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ንለውጢ ንብረት ኣየር ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘይብሉ ፋብሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ሓሳብ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ሓላፊ እቲ ኩባንያ በቲ ኤምባሲ ዝቐረበሎም ዕድመ ተቐቢሎም ኣብቲ ፎረም ኢንቨስትመንት ዝሳተፍ ጉጅለ ከምዝልእኹ ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.