Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያ ምፍራይ  ተሽከርካሪ ኤሌክትሪክ ጉዋንዙ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከብ ሁዋጃን ሓቢሩ ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓለም ገዘፍቲ ካብ ዝበሃሉ ኩባኒያ ምፍራይተሽከርካሪ ኤሌክትሪክ ጉዋንዙ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከብ ሁዋጃን ሓቢሩ ንምስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምንባር እቲ ክታም፥ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)ን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ተፈራ ደርበውን ተረኺቦም።

ከምኡውን ምክትል ከንቲባ ጉዋንዙ ታንግ ፒንግን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ግሩፕ ሁዋጃን ዛንግ ሁዋንሮንግ ከምዝተረኸቡ ኣብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣምባሳደር ተፈራ፥ እቲ ስምምዕ ስትራቴጂካዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ክብል ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፍሰት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ነክመሓየሽ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.