Fana: At a Speed of Life!

ኩባኒያታት ሩሲያ ብዓውዲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ምስታፍ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ዘተ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባኒያታት ሩሲያ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምስታፍ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ምስ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዘተ ተገይሩ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ሁሪያ ዓሊ፥ ብኣቦ መንበር ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ኢጎር ሞሮኖዞቭ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ዲጂታል ኢኮኖሚ ሩሲያ ተዛቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ተግባራት ህንፀት ዲጂታል-ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ዲጂታል ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ፅርየት ትምህርቲ ንምምሕያሽን ኣብ ዘኽእል ልዝብ ገይሮም።

ብፍላይ ተበፃሕነትን ፍትሓውነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ኣብ ዓውዲ ውልቀ ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምስ ኣመራርሓ ኮሚቴ ቴክኒክ እቲ ሚኒስቴር ምዝታዮም ተገሊፁ።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ውልቀ ኩባኒያታት ስርዓተ ትምህርቲን ዓውዲ ኢኮኖሚን ብዲጂታል ቴክኖሎጂ ኣብ ምሕጋዝ ሩሲያ ሓዊሱ ሃገራት ኡዝቤክስታንን ካዛኪስታንን ዘለወን ተመክሮ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.