Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ትፅት ዝግበረሎም ሃናጺ ግደ ብምፅዋት ጅማሮ ሓዱሽ ምዕራፍ ጋህዲ ክገብሩ ኢዮም ኢለ የኣምን – ኣካቢት ቤት ምኽሪ ሓበራዊ ፓርቲታት ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ትፅት ዝግበረሎም ሃናጺ ግደ ብምፅዋት ኣብ ታሪኽ ጅማሮ ሓዱሽ ምዕራፍ ኢትዮጵያ ጋህዲ ክገብሩ ኢዮም ኢለ የኣምን” ክብላ ኣካቢት ቤት ምኽሪ ሓበራዊ ፓርቲታት ፖለቲካ ዶክተር ራሄል ባፌ ገሊፀን።

እተን ኣካቢት ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ተረኺበን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ ኣብታ ሃገር ዝተጣየሸ ኮሚሽን ምኽክር ዘይሻራዊ ኮይኑ ዕላምኡ ንኸዕውት ገዛኢ ፓርቲ ፓርቲ ብልፅግና ፍሉይ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣገንዚበን።

“ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዝነበሩ ፀገማት ሓሊፍና ነዚ መርሃ ግብሪ ብሓባር ንምክፋል ብምብቃዕና ዕድለኛታት ኢና” ኢለን፡፡

“ራኢና ዴሞክራሲ ዝኾነት፣ ዝተረጋገአት፣ ሰላም ዝዓሰላ፣ ንኹና ማዕረ ዝኾት ሃገር ምህናፅ ኢዩ” ዝበላ ዶክተር ራሄል ባፌ፥ ሃገርናን ህዝብናን ናይ ምድሓን ሓላፍነት ኣብ ኢድና ኢዩ ኢለን፡፡

“ኣነ ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ወፂእና ተሳዒርና ዝሰዓረሉ ዕድል ኣብ ኢድና ኢዩ” ክብላ እውን ተዛሪበን፡፡

ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ምጥንኻርን ፓርቲት ፖለቲካ ሓበራዊ ሓላፍነቶም ብብቕዓት ዝሕግዝ ትካል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዘተኣማምን ፖለቲካዊ ምርግጋዕ ዓሲሉ ዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ገሊፀን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ንሓበራዊ ጉዳያት፣ ዴሞክራሲን ሰብኣዊ መሰል ጉዳያትን፣ ልዕልነት ሕጊ ኣብ ዝሕግዙ ጉዳያት ሓላፍነቶም ብመንፈስ ተሓታትነት እናተዋፅኡ ከምዝርከቡ ኣብሪሀን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.