Fana: At a Speed of Life!

ኩሎም ጊዜያዊ ፈተናታት ተሳጊርና ምዕባለ ኢትዮጵያ ክነረጋግፅ ኢና – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ጊዜያዊ ፈተናታት ተሳጊርና ምዕባለ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝባን ከምነረጋግፅ ፅኑዕ እምነት ኣለና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ ÷ “24 መጋቢት ኣብ ኢትዮጵያ መሰረት ለውጢ ዝተነበረሉ ዕለት ኢያ” ኢለን፡፡

ነዚ ድማ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስክር ኢያ ዝበላ እተን ከንቲባ፥ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ፈተናታት ዝላታት ምርኣይ ከምዝተኸኣለ ኣብሪሀን።

“ክብሪና ንህዝቢ ብፍትሓዊነት ምግልጋል ኢዩ፤ ሕዚ እውን ፈተናታት ይብዝሑ እምበር ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ሓደራ ህዝቢ ኣይንርስዕን” ክብላ ኣረጋጊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.