Fana: At a Speed of Life!

ኩላትና ተጋሩ ብሓደ ልቢ እንተወፊርና ኣኽሱም ናብቲ ንቡር ስልጣነኣ ክንምልሳ ንኽእል ኢና -ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነሓሰ 24 ዝኽበር በዓል ዓይኒ-ዋሪ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትሕዝቱኡ ከይተበረዘ ብፍሉይ ድምቀት ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፥  ኩላትና ተጋሩ ብሓደ ልቢ እንተወፊርና ኣኽሱም ናብቲ ንቡር ስልጣነኣ ክንምልሳ ንኽእል ኢና ክብሉ ገሊፆም።

እዚ ንምግባር ድማ፥ ኩሉ ትግራዋይ ዓርሱ ሓቲቱ ብሓደ ልቢ ናብ ተግባር ክወፍር ፀዊዖም።

” ኣክሱም ዓንቀፀ ብርሃን ስልጣነ ዓለም እያ” ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ከምቲ  ደቂ ዓይኒ ዋሪ ኣብ ውዳሰአን ዓይኒ ዋሪ ከይትስበሪ ዝብልኦ ከይተሰበረት ዝተረከብናያ ኣኽሱም ናብ ዝነበረቶ ፀፍሒ ስልጣነ ንምምላስ ኩሎም ኣፈላላያትና ብሰለማዊን ብዝሰልጠነን ኣገባብ ክንፈትሖ ይግባእ ኢሎም ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር  ኣፅባሃ ገብረእግዚኣቢሄር(ዶክተር)ብግዲኦም፥ ኩሉ ትግረዋይ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ክሕሉ ብስም ደቂ ዓይኒ ዋሪ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ዓይኒ ዋሪ፥ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ማእኸላይ ዞባ ዝመፅኣ ጎራዙ ሓዊሱ ደቂ ኣንስትዮ ከተማ ኣኽሱም ደሚቐን ዝውዕላሉን ባህለን ዝዕቅባሉን በዓል ከምዝኾነ ድማ ይፍለጥ።

ዓይኒ ዋሪ ኣብ ህዝቢ ፍቕሪን ሓድነትን ንክህሉ ካብ ዝህቦ ረብሓ ብተወሳኺ ንመስሕብ ቱሪዝም ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ በዓል፥ መሰረት ስልጣነን ሰርዓት ሃይማኖትን ኣብ ዝኾነት ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ብመንፈሳዊ ምስጋናን ብያሬዳዊ መዝሙርን ሃይማኖታዊን ታሪኻዊን ትውፊታቱ ኸይተበረዘ ብመራሕቲ ሃይማኖት ተዓጅቡ ብባህሊ ወቂቡ ብፍሉይ ድምቀት ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

በዓል ዓይኒ ዋሪ እዚ ዓመት፥ “ክብርታት ዓይኒ ዋሪ ንኽብሪ ደቂ ዓይኒ ዋሪን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ብድምቀት ዝኽበር ዘሎ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.