Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ደቂ ኣንስትዮ ብሕብረትን ብሓድነትን ክንቀሳቐሳ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኩለመዳይ ተሳትፎን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ደቂ ኣንስትዮ ብሕብረትን ብሓድነትን ክንቀሳቐሳ ከምዝግባእ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ማሕበር ደቂኣንስትዮ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ 7ይ ስሩዕ ጉባኤ 2ይ ዓመት 1ይ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣሳሊጠን።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸባ ምክትል ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እዛ ሃገር ንምብትታንን ሰላማ ንምንጋዕን ዝተሃቀነ እኩይ ሽርሒ ኣብ ምፍሻል ደቂ ኣንስቲዮ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀመኦ ጅግንነት ዘኹርዕ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ደቂ ኣንስቲዮ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መሰለንን ኩለመዳይ ተረባሕተን ንምርግጋፅን ዘተዓናቕፉ ፀገማት ብምቅላስ፥ ደቂ ኣንስቲዮ ብሕብረትን ብሓድነትን ክንቀሳቐሳ ከምዝግባእ ምግላፀን እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.