Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ምዕባለ ንምምፃእ ኣብ ትምህርቲ ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ምዕባለ ንምምፃእ ኣብ ትምህርቲ ምስራሕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይኝ ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣገንዚበን፡፡

“ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንኣፍሪካውያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ጉባኤ ሕብረት መናእሰይ ፓን ኣፍሪካ ተኻይዱ፡፡

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣብ መዛዘሚ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ÷ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንኣፍሪካውያን ተበፃሒ ምግባር ፀገማት ንምፍታሕ፣ ኢኮኖሚ ንምድንፋዕ፣ ፈጠራ ንምስፍሕፋሕ፣ ሃፍቲ ብግቡእ ንምጥቃም ቁልፊ መሰረት ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኩለመዳይ ምዕባለ ንምምፃእ ኣብ ትምህርቲ ምስራሕን ኢንቨስት ምግባርን ይግባእ ምባለን እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

ንመናእሰይ ኣፍሪካ እዋኑ ዝምጥን ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ተበፃሒ ምግባር ፀገም ኣፍሪካ ብኣፍሪካውያን ንምፍታሕ ከምዝሕግዝ ኣመላኺተን፡፡

እቲ ጉባኤ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንኣፍሪካውያን ተበፃሒ ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ብምዝታይ ንሃገራት ኣፍሪካ ዝበፅሕ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.