Fana: At a Speed of Life!

ኩለመዳይ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ኢዩ – ኣምባሳደር ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለመዳይ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ተሳትፎ ዜጋታት ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
3 ጳጉሜን – መዓልቲ ሉኣላዊነት ንምኽባር ሉኣላዊነት ሃገር ዝተኸፈለ ዋጋ ክብሪ ብመሃብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሳይንስ ሙዚዬም ይኽበር ኣሎ፡፡
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምኽባር፥ ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ፣ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር)፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ ትካላት ፀፅታን ድሕንነትን ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣግይሽ ተረኺቦም።
ኣምባሳደር ታዬ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ብጀጋኑ ደቃ ሉኣላዊነታ ሓሊያ ዝነበረት ሃገር ኢያ፤ ነዚ ሉኣላዊነታ ቀንዲ መርአዪ ኣብ ዓወት ዓድዋ ዝነበረ ጅግንነት ኢዩ።
ብኹሉ መዳይ ሉኣላዊነታ ዝተረጋገፀ ሃገር ምፍጣር ከምዘድሊ ብምግላፅ፥ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ከምዝሓትት ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.