Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ዕብየትን ምዕባለን ዝፀንዕ ንፋስ ሰላም እንትነፍስ ጥራሕ እዩ-ዶክተር ኣብረሃም በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ዕብየትን ምዕባለን ዝፀንዕ ንፋስ ሰላም እንትነፍስ ጥራሕ እዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኣመራሕ ፓርቲ ብልፅግና ትግራይን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገርን ዶክተር ኣብረሃም በላይ ገሊፆም።

ዶክተር ኣብረሃም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ህዝቢ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ዋግ-ዋጎ እማመ ሰላም ከይተዓናቐፍ ዘብዒ ሰላም ኮይኑ ደው ክብል ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ህዝቢ ትግራይ ተጀሚሩ ዘሎ ከይዲ ዋግ-ዋጎ እማመ ሰላም ከይተዓናቐፍ ዘብዒ ሰላም ኮይኑ ደው ክብል ይግባእ። ነዚ ከይዲ እማመ ሰላም ንዘሐንክሉ ውልቀ ሰባትን ጉጅለን ድማ ዓገብ! ክብልን ንዝህቅንሉ መንገዲ ጥፍኣት ክነፅግን ይግባእ።

ውዕሊ ዘላቒ እማመ ሰላም ካብ ዝግበር ንነዘ፣ ዛጊድ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ምርግጋእ ከምኡ እውን ናህሪ ዋጋ ሸቐጣ-ሸቐጥ ምዝሓልን ምትሓትን ቀሊል ተስፋ ከምዘይኮነ ህዝብና ብኣንደበቱ እናመስከረ ይርከብ፤ እዙይ ድማ ርኡይ ተስፋ ህዝብና እዩ፤ ክነዐምብቦ ይግባእ።

በዚ ኣጋጣሚ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ብዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝተሰመዖም ሓጎስ ብምግላፅ፣ ኣብ ቀፃሊ ከምዝድግፉን ንተግባራዊነቱ እውን እጃሞም ንምውፋይ ቅሩባት ምዃኖም ምግላፆም ዝነኣድ ተግባር እዩ፤ ክኸውን እውን ዝግበኦ እዩ።

ብኣንፃሩ፣ ዝተበፅሐ ስምምዕ እማመ ሰላም ንቅድሚት ከይስጉም፣ ከይትግበርን ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ኣካላት ይረኣዩ ኣለዉ። እዞም ኣካላት ብሓደ ወገን ዓርሶም ካብ ሃፈፅታ ሃልሃልታ-ሓዊ ኣርሒቖም ዝነብሩ፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኾይኖም ብሓፁር መንእሰይ ትግራይ ተኸዊሎም ሂወት ዕሸላት እናቖፀዩ ዝነብሩ ዝመስሎም እዮም። ነዚይ እውን ዳግም ብርሰት፣ ዳግም ዂናት፣ ዳግም ስደትን መከራን ክመፅእ፤ ራህዋን ቅሳነት ከይሰፍን፣ ሕጊጥ ዝብሉ ኣካላት ከምዘለው ክንርስዕ የብልናን።

እዞም ኣካላት ካብ መፈለምትኡ ኣትሒዙ ኣጀንዳ ህዝቢ ዘይብሎም፤ ዘይነበሮም እዮም። ካብ ሕሉፍ ጌጋ ዘይመሃሩ፣ ህዝብና ገጢሙዎ ዘሎ ፀገምን ሓሳረ-መከራን ኣብ ክንዲ ምርኣይ፣ ውልቃዊ ረብሐኦም ዘቐደሙ ጥቕመኛን ጨካናትን እዮም።

ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ተበፂሑ ዘሎ ከይዲ ሰላምን ፅቡቕ ንፋስ-እዱንያን ከተዓናቕፉ ንዝወሳወሱ ኣካላት ክቃለሶም ይግባእ እናበልኩ፤ በዓል ዋናን ዘብዒን ተጀሚሩ ዘሎ ስምምዕነት ከይዲ ሰላም ክኸውን እውን ፃውዒተይ የቕርብ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.