ከይዲ ለውጢ ኣዲስ ኣበባ ኣደሚሙኒ-ዌላርስ ጋሳማጌራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘደምም ከይዲ ለውጢ ከምእትርከብ ምዕዛቦም ዋና ፀሓፊ ፓርቲ ፓትሪዮቲክ ፍሮንት (ኣር ፒ ኤፍ) ሩዋንዳ ዌላርስ ጋሳማጌራ ገሊፆም።
ኣብ መበል ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዌላርስ ጋሳማጌራ፥ ኣብ ፓርክ ሓድነት ዑደት ኣሳሊጦም።
ኣብቲ ዑደት፥ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከይዲ ዝነኣድ ለውጢ ከምዘላ ምዕዛቦም ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ገስጋሲት ሃገር ኢያ ኢሎም።
ኣዲስ ኣበባ ውቅብትን ፅርይትን ንምግባር ዝግበሩ ስራሕቲ ብምንኣድ፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዑደት ክምዝገብሩ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ፓርክ ሓድነት እውን ናይ ኢትዮጵያ ታሪካዊ ሃገርነት ዘርእይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝሓለፈ ታሪክ ምስ ሐዚ ብምዝማድ ኣብ ንእሽቶ ቦታ ዘርእይ ዝነኣድ ከባቢ ኮይኑ ከምዝረኸብዎ ሓቢሮም።