Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንምግባር ሰለስተኣዊ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንምግባር ሰለስተኣዊ ሓበራዊ ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ሚኒስቴር ሰላም፣ ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ኢትዮጵያን ቤት ምኽሪ ሓበራዊ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንምግባር ሰለስተኣዊ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት÷ ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ታየ ደንደኣ፣ ዋና ዳይሬክተር ቤት ምኽሪ ትካላት ሲቪል ማህበረሰብ ኢትዮጵያ ሄኖክ ፍስሃን ምክትል ኣካቢ ቤት ምኽሪ ሓበራዊ ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቡዱልቃድር ኣደምን ፈሪሞምዎ።

ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.