ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብገንዘብ ንምሕጋዝ ዘኽል ስምምዕነት ተፈሪሙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብገንዘብ ንምሕጋዝ ዘኽል ፕሮግራም ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ገንበዘብ፣ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክርም ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሰነድ ስምምዕነት ተፈሪሙ።
ንሰለስተ ዓማውቲ ተግባራዊ ኣብ ዝግበር ሰነድ ፕሮግራም÷ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ካብ መሓዙት ልምዓት ፈንድ ንምትእኽኻብ ማእኸል ፋይናንስ ብምኽፋት ከምዘመሓድር ተገሊፁ፡፡
ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከም ሓደ ኣጋር ልምዓት÷ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብገንዘብ ንምሕጋዝ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዝሰለዐ ተሓቢሩ፡፡
በቲ ዝኽፈት ማእኸል ፋይናንስ ኣብ ዝቕፅ ሰለስተ ዓማውቲ ካብ መሓዙት ልምዓት 32 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ከምዝተሃቀነ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም http://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com