Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ 140 ኣባይቲ ዓቕሚ ንዘይብሎምን ጉድኣት ኣካላትን ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩሎም ዝስርሑ ስራሕቲ  ልምዓታት ንደቂ ሰባት ተስፋ ዘህቡን ፅዕንቶ ናብራ ዘቃልሉን ንክኾኑ ሰብ ተኮር ስራሕና ብተግባር ዝገልፅ ኢዩ ከብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ “በጎነት” ብዝብል ስያመ ዝተሃነፁ በዓል 9 ደብሪ ህንፃታትን ማእኸላት መፍጠሪ ዕድል ስራሕን ብምምራቕ ንነበርቲ ምትሕልላፎም እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ገሊፀን።

እቶም 140 ኣባይቲ ዓቕሚ ንዘይብሎም፣ ጉድኣት ኣካላት፣ ምርኣይ ዝተስኣኖም፣ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ንዝተቓልዑን ብምኽንያት ልምዓት ንዝተልዓሉን ነበርቲ ኣረኪበን።

እቶም መንበሪ ኣባይቲ፥ ሳሎን፣ መደቀሲ፣ ክሽኔን ሽቓቕን ዘለዎም ከምኡውን ዘበናዊ ክፍሊታት መደቀሲ ዘለዎም ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.