ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ጠሚተን ምስ ከንቲባ ኣትላንታ ተዛቲን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ጠሚተን ምስ ከንቲባ ኣትላንታ ኣንድሬ ዲከንስ ተዛቲን።
ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ከተማታት ኣብ ዓውዲታት ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ትምህርቲ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ባህሊን ቱሪዝምን ዝተጀመሩ ክልተኣዊ ርክባት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ዝጠመተ ዘተ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣትላንታ ቀጥታ በረራ ድሕሪ ምጅማሩ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ክልቲአን ከተማታታት ከምዝተጠናኸሩ ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ገሊፀን፡፡
በዚ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፅኡ በፃሕቲ ቁፅሮም ክብ ከምዝበለ እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣልዒለን፡፡
ኣብ ቀፃሊ እውን ምትሕብባር ክልቲአን ከተማታተ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕን ካልኦት ዓውዲታት ምትሕበባርን ንምፍላይ ካብ ክልቲአን ከተማታት ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ቴክኒክ ብምጥያሽ እቲ ርክብ ናብ ዝቕፅል ምዕራፍ ንምስግጋር ኣብ ስምምዕነት ከመዝተበፅሐ ካብ ኮሙኒኬሽን እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብ ኣትላንታ ዝነበረን ፃንሒት ንዝተውሃበን ናይ ክብሪ ዶክትሬት፣ ሽልማት ዜግነት ጆርጂያ ከምኡ እውን ብከንቲባ ኣንድሬ ዲከንስ ንዝተገበረለን ኣቀባብላ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡
ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ዝነበረን ፃንሒት ብምዝዛም እውን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com