Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ሲንጋፖር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ከተማታት ዓለም ይሳተፋ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ኣብ ሲንጋፖር እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ጉባኤ ከተማታት ዓለም ይሳተፋ ኣለዋ፡፡

እቲ ጉባኤ ከተማታት ንነበርተን ምቹዋትን ሓምለዎትን ብምግባር፣ ብኽለት ኣየር ምክልኻልን ቅልጡፍ ለውጢን ማእኸል ብምግባር ንወለዶ ዝመሓላለፍ ኣሰር ኣብ ምንባር ብሰፊሑ እናዘተየ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ ጉባኤ÷ ብኣባል ከተማታ C40 ኣቢሉ ኣብ ዝተሰናደአ ፓናል ዘተ ዝተሳተፋ እንትኾና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ብምርግጋፅ ንናብራ ምቹውቲ ንምግባር እናተሰርሑ ኣብ ዝርከቡ ስራሕቲ፣ ዕድላትን ማሕላኻታትን ጠሚተን ልምዲ ኣካፊለን፡፡

ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ወሰን ሩባ፣ ህንፀት ፓርክታት መዘናግዒ ህዝቢ፣ ኢንሼቲቭ ሓምለዋይ ልምዓት፣ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከምኡ እውን ሰብ ተኮር ስራሕቲ ዝምልከት መብርሂ ከምዝሃባ ካብ ቤት ፅሕፈት ክንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.