Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ መሰጋገሪ ድልድል ኢምፔርያል ዑደት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ፕሮጀክት መሰጋገሪ ድልድል ኢምፔርያል  ዑደት ኣካይደን።

ወይዘሮ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዝዘርግሐኦ ፅሑፍ፥ ምምሕዳር ከተማና ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብ2 ነጥቢ 78 ቢልዮን ብር ወፃኢ ካብ ሞንጎ ዝሃንጾም ዘሎ 6 ዘመናዊ መሰጋገሪ ድልድላት ፕሮጀክት መሰጋገሪ ድልድል ኢምፔርያል ዝርከበሉ ብርኪ ተዓዚብና” ኢለን።

እቲ ፕሮጀክት ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ልዑል ፅቕቅጥ ትራፊክ ብምውጋድ ዋሕዚ ትራፊክ ዘቃልልን ኣብ ልምዓት እታ ከተማ ኣበርክቶ ዝገብርን ከምዝኾነ ኣመልኪተን።

ኣብ ሓፂር እዋን ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፉት ከምዝኸውን ብምግላፅ፤ ኣዲስ ኣበባ ከም ስማ ሓዳሽ ዕምበባ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ ብኹሉ ዓውዲ እናተጠናኸረ ከምዝቕፅል ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.