Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ አመስጊነን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ አመስጊነን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሎሚ ንጎሆ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ብበዝሒ ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምኽኒያት ዝተመርሐ ናይ ለውጢ 6 ዓመታት ደገፎም ብሰለማዊ ሰልፊ ምግላፆም ኣብሪሀን።

እቲ ለውጢ ንኢትዮጵያ ክብ ብዘበሉ ዓበይቲ ስራሕቲን ህብረ ብሄራዊ ሕውነትን ኣቢሉ ሓድነት ዝደመቐሉ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሓዊሱ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተጀሚሮም ዝተዛዘሙሉ፣ መስሕብ በፃሕቲ ከምኡውን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ዝተጀመሩ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ብምዝዛም ናይ ብዙሓት ሸኽሚ ናብራ ዘቕለሉን ተስፋታት ዘለምለሙን ኢዮም ኢለን።

ከንቲባ ኣዳነች፥ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርኣያ ምዕባለ፣ ከም ስማ  ምልክዕቲን ንናብራ ምችውቲን ብምግባር ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ማእኽል ዓለም ለኸ ስሕበት ንምግባር ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ አመስጊነን።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.