Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ብምክትል ዋና ፀሓፊ ኮሚኒስት ፓርቲ ቤጂንግን ፕሬዚዳንት ኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ቤጂንግን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ብምክትል ዋና ፀሓፊ ኮሚኒስት ፓርቲ ቤጂንግን ፕሬዚዳንት ኢንስቲትዩት ኣመራርሓ ቤጂንግን ሊ ዌይ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ክልቲአን ኣሕዋት ከተማታት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዓውዲታት ትራንስፖርት፣ ህንፀት ኣባይቲ፣ ትምህርቲ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ንግዲን ኢንቨስትመንትን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያት ተመያይጦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲአን ከተማታት ዝነበረን ምትሕብባር ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ዛዕባታት ከምዝተዛተዩ ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ ኣፍሊጠን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.