Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ምስ ተወከልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ተወከልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተዛቲየን።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን÷ “ዝተወደበ ተሳትፎ ሲቪል ማሕበራት ንኩለመዳይ ምዕባለ“ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማና ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብ ተዛቲና” ኢለን።

ሲቪል ማሕበራት ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ዝውክሉ፣ ዴሞክራሲ ክዕምብብን ክጉልብትን ኣብ ምግባርን ማሕበራዊ ፍትሒ ኣብ ምንጋስን ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ገሊፀን፡፡

“ብምዃኑ ድማ ኣብ ኩለመዳይ ምንቅስቐስ ከተማና ተሳትፎኦም ንኽጉልብት ኢሉ እውን ዝሐሸ ናይ ርክብ ኣግባብ ብምኽታል ተቐራሪብና ብሓባር ንምስራሕ ኣብ እዋን ዘተና ተስማዕሚዕና” ኢለን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.