Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ርእሰ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪን መልእኽቲ እንኳ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ርእሰ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪን ምጅማር ፍልፍል ሓይሊ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም መልእኽቲ እንኳ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ “ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብርሃን ምሃብ ብምጅማሩ ነበርቲ ከተማና፣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን እንኳዕ ደስ በለኩም” ኢለን፡፡

ግድብ ህዳሰ  ኢትዮጵያ ዝርከበላ ጉባ ድማ መብሰሪት ምድሪ ዘበን ብርሃን ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣፍሪካ ምዃና እውን ገሊፀን፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ምፍልል ብምጅማሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ናይ ብርሃን ታሪኽ ምዃኖም ዘብስር ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ካብ ጅማሮ ህንፀት እቲ ግድብ ጀሚሩ መላእ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ነበርቲ እቲ ክልል እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ብርኪ ንኽበፅሕ ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦን ድጋፍን ኣመስጊኖም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.