Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ውሃን ን11 ሚልየን ነበርታ ምርመራ ቫይረስኮሮና ክትገብረሎም እያ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)እታ ቀንዲ መመበገሲት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ከምዝኾነት ዝዝረበላ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ኣብ 10 መዓልቲ ጥራሕ ንመላእ ህዝቢ እታ ከተማ ምርመራ ክትገብር ትልሚ ከምዝሓዘት ተገሊፁ።

እቲ ትልሚ ገና ኣብ ፈላማይ ብርኪ ዘሎ እንትኸውን፥ ኩለን ምምሕዳራት ናይታ ከተማ ኣብ 10 መዓልቲ ብኸመይ እቲ ምርመራ ክግበር ከምዝኽእል ዝርዝራት ከቕርባ ተሓቲተን ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ዉሃን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሓደሽቲ ሽድሽተ መልከፍትታት ድሕሪ ምርኣዩ እዩ እዚ ትልሚ መፂኡ ዘሎ።

ቅድም ክብል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 3 ሚያዝያ 2020 ኣብታ ከተማ ዝኾነ ሓድሽ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ኣይተርኣየን ነይሩ።

ከተማ ውሃን ድሕሪ ናይ 11 ሰሙን ጥቡቕ ዕፅዋ ኣብ 8 ሚያዝያ እያ ዳግማይ ምንቅስቓሳት ኣፍቂዳ።

ብመሰረት እዚ ኣብያተ ትምህርቲ ተኸፊቱ፣ ትካላት ንግዲ ቀስብቐስ ስርሖም ክጅምሩን ኣገልግሎት መጓዓዝያ’ውን ኣገልግሎት ከሳልጥ ክኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ሓደሽቲ መልከፍትታት ምስተርኣየ እቲ ናብ ስሩዕ ህይወት ምምላስ ዝብል ትልሚ ኣብ ስግኣት ወዲቑ’ሎ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.