Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ን500 ሰባት መኣዲ ኣካፊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መበል 1444 ፆም ረመደና ምኽንያት ብምግባር ን500 ሰባት መኣዲ ኣካፊሉ።

እቲ ምምሕዳር ከተማ ነቲ መርሃ ግብሪ ልዕሊ 6 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ንሕድሕድ ዓቐመ ደካማታትን ረጋውያንን፤ 5 ሊትሮ ዘይቲ፣ 25 ኪሎ ሕሩጭን 6 ኪሎ ተምሪን ሓገዝ ተገይሩሎም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ “እቲ ተግባር ንዜጋታትና ዘለና ፍቕሪን ኣኽብሮትን ንገልፀሉ ኢዩ” ኢለን።

“ተግባር ምክፋል መኣዲ ኣብቲ ለውጢ እናተኸተልናዮ ንርከብ ሰብነት መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ ዝወለዶ ኢዩ” ክብላ ኣገንዚበን፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ 1 ሺሕን 360 ካርቶን ተምሪ ንዓቕመ ደካማታትን ኣረጋውያንን ምብርካቶም ተገሊፁ፡፡

ብበረከት ተካልኝ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.