Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ንምግባር ሓበራዊ ምንቅስቓስና ኣጠናኺርና ንኅንቅፅል ፃውዒተይ የቕርብ – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ከተማናን ዙርያኣን ሰላማዊን ዝተረጋገአን ንምግባ ሓበራዊ ምንቅስቓሳትና ኣጠናኺና ክንቅፅል ይግባእ” ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀዊዐን።

ነበርቲ፣ ውዳበ መንግስቲ፣ በቢከባቢኡ ዝተወደቡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት፣ ኣካላት ፀፅታ ኣዲስ ኣበባ፣ ፌዴራልን ፍሉይ ዞባ ኦሮሚያን ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲን ካብ ድሮ በዓል ሓዱሽ ዓመት ጀሚሮም ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ንኽዛዘም ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ኣብታ ከተማ በዓል ምኅንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ገበናት ብምፍፃም ሰላም እታ ከተማ ንምህዋኽ፣ ሕፅረት ቀረብ ዕዳጋ ከጋጥምን ነዚ ስዒቡ ግቡእ ዘይኮነ ናህሪ ዋጋ ብምስዓብ ንሕብረተሰብ ኣብ ወጥሪ ንምእታው ሓሲቦም እናተሰናድኡ እናተሓባበሩን ዝነበሩ ኣካት ከምዝነበሩ እውን ተዛሪበን፡፡

“ይኹን እምበር ብኹሎም ኣካላት ሓበራዊ ምንቅስቓስ ስለዝፈሸለ በዓል ሓዱሽ ዓመት ሰላማዊ ኮይኑ ክሓልፍ ክኢሉ ኢዩ” ዝበላ እተን ከንቲባ÷ “ካብዚ ንመሃሮ ሓድነትናን ምትሕብባርናን ምስጢር ሰዓራይነትና ምዃኑ ኢዩ” ክብላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ገሊፀን፡፡

“ሕዚ እውን ቀፀልቲ እዋናት ብፍላይ ድማ ኣከባብራ ዝተፈላዩ ሃይማኖታዊን ህዝባዊን በዓላት ሓዊሱ ዝተጀመረ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ ከተማናን ዙርያኣን ሰላማዊን ዝተረጋገአን ንምግባ ሓበራዊ ምንቅስቓሳትና ኣጠናኺና ክቕፅል ምግባር ከንቱ ትምኒት ፀላእቲ ምፍሻልና ክንቅፅል ኢና” ኢለን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.