Fana: At a Speed of Life!

ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኣማምን ሰላምን ምርግጋእን ከምትርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ መቐለ ኣብ ዘተኣማምን ሰላምን ምርግጋእን ከምትርከብ ናይታ ከተማ ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይቲ ህዝቢ ምንቅስቓስ ንግዲ ፅዕንቶ ዘብፅሐ ምቕያር ባጤራ ባንክታት ስራሕ ካብ ዝጀመራሉ መዓልቲ ጀሚሩ ቀዳምን ሰንበትን ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልቲ ንክፍፀም ብሄራዊ ባንኪ ገሊፁ።

ናይታ ከተማ ቤት ፅሕፈት ኮምኒኬሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ ቤተ እምነትን ካልኦት ቦታን ተኣኪቡ ዝተረኸበ ሰብ ክቕተል እዩ፣ ተሓፊሱ ናብ በረኻ ክውሰድ እዩ ናተብሃለ መደናገርቲ ሓበሬታት ይንዛሕ ነይሩ።

ኮይኑ ግና ነባሪ እቲ ከተማ ትማሊ ማርያም ወርሓዊ ክብረ በዓል ንምብዓል ኣብ ቤተክርስትያን ብበዝሒ ብምርካብ ነቲ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እዝኑ ከያሃበ ብዝተረጋግአ ኩነታት ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ኣብዒሉ እዩ።

ናይ ከተማ መቐለ ናይ ዕዳጋ ማእከላት፣ መጓዓዝያ ግልጋሎት ከምኡ እውን ካልኦት ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝህቡ ትካላት ናፍቲ ንቡር ስርሖም እናተመለሱ እዩም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.