Fana: At a Speed of Life!

ከተማ መቐለ ተጋሩ ጥራሕ እንተይኮኑስ ካልኦት እውን ዝብህግዋ ዓለም ለኻዊት ከተማ ክንገብራ ኢና- ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ መቐለ ተጋሩ ጥራሕ እንተይኮኑስ ካልኦት እውን ዝብህግዋ ዓለም ለኻዊት ከተማ ንምግባር ከምዝስራሕ ምኽትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

መበል 45 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፅምብል በዓል 11 ለካቲት ምኽንያት ብምግባር ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣስፋልትን ኣደባባይ ኣግኣዚን ከተማ መቐለ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ምርቓት ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ዶክተር ደብረፅዮን ከምዝበልዎ፥ አብዚ ሐዚ እዋን ቀፃሊ ጉዕዞ ዝሕሰበሉ ግዘ ኢዩ።

ቅድሚ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊሉ ኢዩ ዝበሉ ዶክተርር ደብረፅዮን፥ ኣብቲ ቃልሲ ሰባት ጥራሕ እንተይኮኑስ ልክዕ ከም ሰብ ጎቦታትን ሽንጥሮታትን እውን ተቃሊሶም እዮም።

ህዝቢ ትግራይ ናብ ቃልሲ ዝወፅአ ካብ ድክነት ንምውፃእ እምበር ጀግንነቱ ንምምስካር ከምዘይኮነ እውን ገሊፆም።

“”ህዝቢ ትግራይ ካብ ድክነት ክወፅእ፣ ክሓልፈሉ ተቃሊሱ፤ ከምውፅኢቱ ድማ ለውጢ የምፅእ ኣሎ” ኢሎም።

እቲ ዝተመረቐ መገዲ ኣስፋልት ውፅኢት ቃልሱ ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ደብረፅዮን፥ ሽግር ናብ ራህዋ ንምትካእ ዝተገበረ ቃልሲ እዚ ኣደባባይን መገዲ ኣስፋልትን ምስክር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ዶክተር ደብረፂዮን ኣብ መልእኽቶም፥ “ከተማ መቐለ ተጋሩ ጥራሕ እንተይኮኑስ ካልኦት እውን ዝብህግዋ ዓለምለኻዊት ከተማ ንምግባር ተሓጋጊዝና፣ ተደጋጊፍናን ሽግራት ተፃዊርናን ዓወት ክነመዝግብ ኢና ኢሎም።

 

እቲ ዝተመረቐ ኣስፋልት መንገዲ ስርዓት ደርጊ ንተጋሩ ተጋደልቲ ዘሳቅየሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ንዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ፥፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኣብራሂም፣ ወይዘሮ ፈትለወርቅ ገብእግዚኣብሄርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ከተማ መቐለን ተረኺቦም።

እቶም መገዲታትን ኣደባባይን ካብ ሎምዓንቲ ጀሚሮም ንግልጋሎት ክፍቲ ዝኾኑ እንትኾኑ፥ ዶ/ር ደብረፅዮን ሓዊሱ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብ ኣደባባይ ኣግኣዚ ፈልሲ ተኺሎም።

ኣብ ከተማ መቐለ በዓል 11 ለካቲት ምኽኒያት ብምግባር ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 3 ቢልየን ወፃኢ ዝግበረሎም ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጣብያታት ጥዕናን ዘመናዊ መናሃርያን ንምህናፅ ትማሊ ስነ-ስርዓት ምቕማጥ እምነ ኹርናዕ ምስላጡ ይዝከር።

ዮናታን ግዛቸው

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.