Fana: At a Speed of Life!

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ብልዑል ሙቐት ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ትሪሊየን ዶላር ክሳራ ከስዕብ ኢዩ – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ብምኽንያት ምውሳኽ ልዑል ሙቐት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2030 ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ትሪሊየን ዶላር ክሳራ ከምዘጋጥማ ተገሊፁ።

ዓለም ለከ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀልን መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ኦቻ)ንብሓባር ዘፅንዑዎ ሰነድ ትማሊ ሰኑይ ዕላዊ ገይሮም፡፡

ልዑል ቁፅሪ ዘለዎም ኣብ ትሑት ብርኪ ኢኮኖሚ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝነብሩለን ከተማታት በቲ ምውሳኽ ልዑል ሙቐት ዝህልወን ተቓላዓይነት ብዝበለፀ ከምዝውስኽ እቲ ሰነድ ተንቢዩ፡፡

ከም ትንበያ እቲ ሰነድ እንተኾይኑ÷ ክሳብ 2050 ታት ቁፅሪ ነበርቲ እዘን ከተማታት ብሸውዓተ ዕፅፊ ክውስኽ ኢዩ፡፡

ምስ ምውሳኽ መጠን ሙቐት ከምኡ እውን ለውጢ ንብረት ኣየርን ተተሓሒዞም ዘጋጥሙ ከም ካንሰርን ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ዝፈጥሩዎ ሞት ብኣሃዝ ከምዝውስኽን ኣብ ምዕባለ ንዝርከባ ሃገራት ብዝበለፀ ከምዝጎድአንን ኣመልኪቱ።

ብለውጢ ንብረት ኣየር ዝፍጠር ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ ስደትን ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ዓለምና ዘጋጥሙዋ ፀገማት ከምዝኾኑ እቲ ሰነድ ዕላዊ ገይሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.