Fana: At a Speed of Life!

ከም ህዝቢ ህላወና ክነውሕስን ክነረጋግፅን እንተኾይንና ብምህዞን ፈጠራን ዓርስና ክንሕግዝ ይግባእ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዙርያ ምሁዞን ፈጠራን ዝነጥፉ ዘለዉ ሰብ ሞያ ፀገም ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ንዝገብርዎ ዘለዉ ግደ ክነኣዱ ጥራሕ ዘይኮነስ ዝግባእ ሓገዝ ከምዝግበረሎም ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ መቐለ ዋዕላ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ምህዞን ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ዝሳለጥ ዘሎ መድረኽ፥ ኣብ ምህዞን ፈጠራን ንዝነጥፉ ሰብ ሞያ በሪ ንምኽፋት፣ ኣብ ምምችቻው ዕድላትን ምንፃር ዝገጥሙ ዘለዉ ዕንቅፋታትን ትኹረት ዝገበረ እዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣይተ ጌታቸው፥ ኣሽሓት ዘመናት ወነንቲ ስልጣነ ኢና ኢልና ንምከሐሉ ታሪኽ ሐዚ እውን ህዝብና ካብ ዘለዎ ፀገምን ድኽነትን ዘናግፍ ምህዞን ፈጠራን እንተዘይሃሊዩና ታሪኽና ዘሀስስ እዩ ኢሎም።

ከም ህዝቢ ህላወና ክነውሕስን ክነረጋግፅን እንተኾይንና ብምህዞን ፈጠራን ዓርስና ክንሕግዝ ከም ዝግባእ እውን ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.