Fana: At a Speed of Life!

ከም ሃገር ዝመፀና ሓደጋ ሓደ ኮይንና ክንምክቶ ኢና-ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ሃገር ዝመፀና ሓደጋ ሓደ ኮይንና ክንምክቶ ኢና ክብል ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

እቲ ፀላኢ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወረራ እንተፈፀመ እውን፥ ብልዑል ቂምን ፅልኣትን ስምዒት ዝመፅአ ናይ መላእ ኢትዮጵያውያን ፀላኢ ኢዩ ኢሉ እቲ በረት ፅሕፈት።

እዚ ፅልኣት ንሰለስተ ዓሰርተ ዓማውቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኩሉ ፀላኢ ገይሩ እንትርእይ፣ እንትቐትል፣ እንተሳቕይ፣ እንትዘርፍን እንተዋርድን ዝነበረ፤ ኦሮሞ ብሙሉኡ ኦነግ እናበለ እንትጭፍጭፍ፣ ካብ ሃገር እንተባርር፣ ኣብያተ ማእሰርቲ ብኦሮሞ ተዛረብቲ ብምምላእ ቋንቋ እቲ ቤት ማእሰርቲ እንትገብር፣ መሬቱ እንተሕድግን ሃፍቱ እንትዘርፍን ዝነበረ ኢዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣምሓራ ፀላኢ ብሎ ብምፍራጅ ኩለ መዳይ መጥቃዕቲ እንተብፀሐሉ ኣብ ሃገሩ ምንባር ክሳብ ዝስእን ልዑል በደል እንተብፅሕ ዝነበረ፣ ሶማሌ፣ ዓፋር፣ ጋምቤላ፣ ቤኒሻንጉልን ሃረሪን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ንከይውሰን ካልኣይ ደረጃ ዜግነት ዝሃበ ካብ ናይ ባዕሉ ረብሓ ወፃእ ንዝኾነ ይኹን ዘይውግንን ዘይርህርህን ጨካን ኣረመኔ ጉጅለ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ እዚ ሓይሊ ብብቕዓት ንምምካትን ሃገርና ክንከላኸልን እንኽእል ከም ህዝቢ ብዘይ ኣፈላላይ መላእ ኢትዮጵያውያን ተወዲብና ብሓባር ደው እንትንብል ጥራሕ ኢዩ ክብል እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.