Fana: At a Speed of Life!

ከም ሃገር ኣብ ዓውዲ መሰረተ-ልምዓት ልዑል ዕቤት ተመዝጊቡ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ማዕቐፍ ፕሮግራም ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ርኡይ ዕቤት ከምዘመዝገበት ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ገሊፆም፡፡

“ንኣፍሪካ ዘላቒ ዕቤት ዝኾውን ጥንኩርን ንኹሉ ዘሳትፍን መሰረተ-ልምዓት ምህናፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ፕሮግራም ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ኣፍሪካ እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝተረኸቡሉ ሎሚ መዓልቲ እውን ቀፂሉ ኣሎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት፣ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝመፅኡ ሰብ ሞያ ተረኺቦም።

ኣብቲ መድረኽ ናይ ኢትዮጵያ ተሞክሮ ዘካፈሉ ፕሬዚዳንት ታዬ÷ “ኣብ ዝርገሐ መገዲ፣ ባቡር ሃዲዳትን ዝሕደስ ሓይሊን ዝተገበሩ ኢንቨስትመንታት ስርዓት መሰረተ-ልምዓት ሃገርና ቀይሩዎ ኢዩ” ኢሎም፡፡

መስመር ባቡር ሃዲድ ኣዲስ ኣበባ-ጅቡቲ ርክብ እቲ ከባቢ ኣብ ምጥንኻር ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ብምንካይን ንግዲ ኣብ ምብርትታዕን ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣልዒሎም፡፡

ግድብ ህዳሴ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካ ንዘላቒ ሓይሊ ንምጥቃም ዘለና ቆራፅነት ዘርአናሉ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት÷ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዞባ ንጹህ ሓይሊ ብምቕራብ ዝረጋገፅ ኢዩ ኢሎም፡፡

ምስፍሕፋሕ መሰረተ ልምዓት ኣፍሪካ ዓበይቲ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት እናተወገነ ብዘሎ ስራሕ ዋና ዓንዲ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እዚ ፕሮግራም ኣብ ዶብ ተሳገርቲ መሰረተ-ልምዓት ዘድሀበ፣ ንዞባዊ ውህደት፣ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ዘላቒ ልምዓትን ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብፍሬህወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.