Fana: At a Speed of Life!

ከም ሃገር ሰበብ ካብ ዘምፅኡ ናብ ብምኽኒያት ዝግንሑ ሓሳባት ክንሰጋገር ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል ሳልሳይ ዓመት ራብዓይ ዘበን ስሩዕ ኣኼብኡ ብምርካብ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽ ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ሕቶታት ህዝቢ ጠሚቱ ኣብ ዝተልዓሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንፓርቲ ብልፅግና ኣሚኑ ምምራፁ ትኽክል ኢዩ ኢሎም።

ዝኣተናዮ ቃል ንምትግባር እውን ድልዋት ኢና ኢሎም።

ህዝቢ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዴሚክራሲ ምትግባር ዝደልየሉ ምኽኒያት ህዝቢ ናይ ቀፃልነት ምልክት ስለዝኾነ ትውልዲ ክቕፅል ካብ ምድላዩ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ምትግባር ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ይኹን እንበር ኣብ ሓደ ከባቢ ዝለዓል ሕቶ ንኻሊእ እውን ሕቶ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ከባቢ ናይ ምንግንፃል ሕቶ ቀሪቡ ምላሽ ቅድሚ ምሃብ ንኢትዮጵያ ዝጠቅም ድዩ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ሕቶ ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመንፅር ሃገራዊ ሓድነትን ምድግጋፍን ምምዛን ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን ዝለዓሉ ሕቶታት ከም መንግስቲ ምላሽ ሂብና ኢና፤ ኣብ መንጎ እቶም ክልላት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ህዝበ ውሳነ ምክያድ ወሳኒ ኢዩ ዝብል እምነት እውን ኣለና ኢሎም።

ይኹን እንበር ዝሓሸ ኣማራፂ ኣሎ ዝበሃል ክልቲኦም ህዝብታት ተዛቲዮም ዘምፅኡ እንተሃሊዩ ግን ክንቅበል ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ዝመፅእ መፍትሒ ግን ዘላቒ ሰላም ዘምፅእ እንበር ኲናት ዘምፅእ ክኸውን የብሉን ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ፀገም ሰበብ ዘምፅኡ እንበር ብምኽኒያት ዝግንሑ ኣይኮኑን፤ ስለዚ ካብዚ መውፃእ የድሊ ክብሉ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብፍቕሪ ሃገር ዝተሃነፀ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከምኡ ስለዝኾነ ኢዩ ድማ  ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ፀገም እንተጋጥም ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ወይ ክልላት ብምዃድ መስዋእቲ ዝኸፈል ዘሎ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.