Fana: At a Speed of Life!

ኦሊምፒክ 2024 ኣብ ዝካየደላ ከተማ ፓሪስ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ባቡር መጥቃዕቲ ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መኽፈቲ ስነ ስርዓት ኦሊምፒክ ፓሪስ ሰዓታት ኣብ ዝተረፉሉ እዋን ኣብ ፈረንሳይ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ባቡር ፓሪስ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዑል ቅልውላው ትራንስፖርት ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ተሓሲቡሉን ኮነ ተባሂሉን ዝተቐነባበረ ሽርሒ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ገብርኤል ኣታል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

እቲ መጥቃዕቲ  ከቢድ ልዑል ፅዕንቶ ከምዘለዎን ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ገበነኛታት ናይ ምህዳን ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ሎሚ ምዘሸ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽፈት ኢዩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.