Fana: At a Speed of Life!

ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ሎሚ መዓልቲ ምሸት ካብ ሰዓት 2፡30 ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣብ ከተማ ፓሪስ ብዕሊ ክኽፈት ኢዩ።

ንኢትዮጵያ ዝውክል ቀዳማይ ዙ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ትማሊ ናብ ፓሪስ ከምዝኣተወ ይፍለጥ፡፡

ናይ ሎሚ መዓልቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ ብዘይተለመደ መልክዑ ካብ ስታዲየም ወፃእ ንሰሜናዊ ፈረንሳይ ኣብ ዘካልል ሩባ ሴይን ከምዝካየድ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ኣፍሊጡ፡፡

ካብ 206 ልኡኻት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 10 ሺሕ ኣትሌቶችን ኣብ ሩባ ሴይን ዘንሸራሽራ ልዕሊ 90 ጀላቡ ከምዝተሰናድኣ እውን ተገሊፁ፡፡

ዘያሚት ሙዚቃ ፖፕ ሌዲ ጋጋ፣ ሴሊን ዲዮንን ኣያ ናካሙራን ድማ እቲ ምሸት ንምድማቕ ከምዝተዳለዋ ተሓቢሩ፡፡

ልዕሊ 300 ሺሕ ሰባት ኣብ ዝሳተፉሉ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ÷ ልዕሊ 1 ቢሊየን ተመልከትቲ ብቐጥታ ፈነወ ከምዝከታተሉዎ ተሓቢሩ፡፡

ብ32 ዓይነታት ስፖርት ውድድራት ዝካየዱሉ ኦሊምፒክ ፓሪስ ክሳብ ምዝዛም እቲ ውድድር ን3 ሺሕን 800 ሰዓታት ሽፋን ቀጥታ ፈነወ ከምዝወሃቦ እቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.