Fana: At a Speed of Life!

እግድ ፍቓድ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝተነበረሎም ናውቲታትን ተሽከርከርቲን ምምዕርራይ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እግድ ፍቓድ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ልዕሊ ዝተነበረሎም ናውቲታትን ተሽከርከርቲን ምምዕርራይ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥

  1. ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ብቑፅሪ ክሂገ1/7/252 ብዕለት 04 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ኣብ ሰሌዳ ዝተገለፁ ሸርፊ ወፃኢ ዘይፍቀደሎም ዝርዝራት ብሕጊ ብመሰረት ዝተደንገገ ፍራንኮ ቫሉታ ዝኣትዉ ናውቲትታትን ተሽከርከርቲን ዘይጥምት ምዃኑ
  2. ቅድሚ 22 መጋቢት 2015 ዓ.ም ፍቓድ ባንኪ ዝተውሃቦም ናውቲታትን ተሽከርከርቲን ብኮሞሽን ጉመሩክ ዝቐርቡ ሰነዳት ኣድላዪ ምፅራይ እንተገበረሎም ንመወዳእታ እዋን ብመሸጋገሪ ንክኣትዉ
  3. ተሽከርከርቲ ኣብ ወደብ ጎረቤት ሃገር ወይ ጉምሩክ ጣቢያ ኣብ ዝበፅሑሉ ብኤክሳይዝ ታክስ ኣዋጅ (መመሓየሺ) ቁፅሪ 1287/2015 ዓንቀፅ 2(24) ንሓዱሽ ተሽከርካሪ ዝተውሃበ ትርጉም ዘማልኣ ኮይነን፤ ይኹን እንበር እቲ ውሳነ እንትፅበያ ዕድመ እቲ ተሽከርካሪ ኣብ ውሽጢ ዘገልገለ ዝኣተዎም እንተኾይኖም ብምኽኒያት እቲ ገደብ ኣብ ወደብ ጎረበት ዓዲ ወይ ኣብ ጣቢያ ጉምሩክ ዝፀንሓሉ እዋን ከይተሓሰበ ቅድሚኡ ዘሎ ዕድመ ጥራሕ ብምስላሕ ንክተኣናገዳ
  4. ሹቓት ናፃ ቀረፅ ዘምፅእዎም ናውቲታት እቲ ፍቓድ እገዳ ሸረረፊ ወፃኢ ንከይጥምቶም
  5. ኣብቲ ሰሌዳ ዝተገለፁ ዝርዝራት ኣፈፃፅመኦም ብመሰረት መግለፂ ዓይነት ኣቕሓ ንልኸውን
  6. ተሽከርካሪ እንተይወሰኸ እቲ እግድ ሸርፊ ወፃኢ ዝጥምቶም ናውቲታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድሕሪ ምእታዎም ምንም ዓይነት ተወሳኺ ምድላው ከይተገበረሎም ወይ ከይዲ ፍሪያት ከይተገበረሎም ናብ ውሽጢ ዓዲ ብመሰረት ዝኣተዉሉ ኩነታት ብቐጥታ ኣብ ረብሓ(ኣገልግሎት) ንክውዕሉ ጥራሕ ዝተዳለዉ ፍሪያታት እንትኾኑ፣ ዝኾኑ ይኹኑ ንእታዎት ፍሪያት ዝኾኑ ጥረ ኣቑሑ ወይ እታዎታት እቲ እገዳ ዘይምልከቶም ምዃኑ፤
  7. ተሽከርካሪ ብዝምልከት ኣብ ዝተሰናደአ ብፈደል ዝተበተነ(SKD) ወይ ትሕቲ መዐቀኒ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተበተነ (CKD) ዝኾኑ (ነቲ መዐቀኒ ዘየማልኡ) እንተኾይኖም ሸርፊ ወፃኢ ዘይምልከቶም ምዃኑ ሚኒስቴር ገንዘብ ገሊፁ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.