Fana: At a Speed of Life!

እግረኛ ሰራዊት እስራኤል ናይ ሓፂር ግዘ ልኡኽቶ ብመሓዝ ናብ ሊባኖስ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል ንሄዝቦላህ ንምጥቃዕ ናይ ሓፂር ግዘ ልኡኽቶ ብመሓዝ እግረኛ ሰራዊታ ናብ ሊባኖስ ከምዘእተወት ኣፍሊጣ።

እስራኤል ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝተገደበ ዒላማ ዘለዎ ናይ መሬት ልኡኽ በምባል ዝገለፀቶ ብእግረኛ ሰራዊታ ዝውገን ትልማ ዕላዊ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ሂዝቦላህ ትገብሮ መጥቃዕቲ ኣጠናኺራ ከምዝቐፀለት ገሊፃች።

ከም ገለፃ ሓይሊ ምክልኻል እስራኤል፥ እቲ ልኡኽቶ ሂዝቦላህ ብኢራን ሓገዝ እናተገበረሉ ኣብ ሰሜን እስራኤል ዝርከቡ ማሕበረሰባት ዝፈጥሮ ስግኣት ንምንካይ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

በዚ ድማ ሂዝቦላህ መጥቃዕቲ ንምብፃዕ ይጥቀመሎም ዝተብሃሉ መሰረተ ልምዓታት ናይቲ እግረኛ ሰራዊት ዒላማ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ምክልኻል እስራኤል ዮኣቭ ጋላንት፥ ኣብ ጥቓ ዶብ ሊባኖስ ንዝርከቡ ወታደራት እስራኤል ንሂዝቦላህ ብሓይሊታት ኣየር፣ ባሕሪን ምድሪን ብምጥቃም መጥቃዕቲ ንምውሳድ ከምዝተሰናደአ ምግላፆም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.