Fana: At a Speed of Life!

እዚ ናይ ዘተ ምዕራፍ ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ ዘተ ንዝለዓሉ መሰረታዊ ጉዳያት ቁልፊ ግደ ኣለዎ – መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ክልላዊን ምምሕዳር ከተማን ዘተ ምዕራፍ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ፡፡

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ÷ እቲ ኮሚሽን ብሕቶ ምሁራን፣ ልሂቃንን ዝተፈላለዩ ትካላት ፖለቲካን ድሌትን ፍቓድን መንግስቲን ተወሲኹዎ ኣብ 11 ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን ብዝግባእ ተቓኒዩ ከምዝተጣየሸ ኣብሪሆም፡፡

ዝተወደቡ ትካላት ሃይማኖት፣ ሲቪል ማሕበረሰብን ትካላት ፖለቲካን በቢብርኩ ብምክታት ብ4 ምዕራፍ ብዝኸፋፈሉዎም ናይ ስራሕ መርሃ ግብሪታት ክልቲኦም ብምዝዛም ናብ ሳልሳይ መርሃ ግብሪ ማለት እውን ናይ ዘተ ምዕራፍ ኣብ ምስግጋር ከምዝርለብ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ከይዲ ዘተ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ዝተፈለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ መራሕቲ ሓሳብን ፖለቲካን ንኽኾኑ ኣብ መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ኮሚሽን ብግልፂ ከምዝተደንገገ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚሽን እዞም መሰረታዊ ሓሳባት መበገሲ ብምግባር ተሳተፍቲ ናይ ምፍላይ ስርሑ ኣሳታፊን መካተቲን ብዝኾነ መገዲ ንምስላጥ ኣድለይቲ ዝኾኑ ተግባራት ብጥንቃቐ እናወገነ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡

በዚ መልክዑ ዝተፈለዩ ተወከልቲ ኣብቲ ከይዲ ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ካብ ዝገብሩዎም ምዕራፋት ቀንዲ ዝኾነ ኣጀንዳታት ምይይጥ ናይ ምፍላይ ከይዲ ሎሚ ብዕሊ ከምዝጅምር እውን ኣፍሊጦም፡፡

እዚ ናይ ዘተ ምዕራፍ ኣብ ዝቕፅል ጉባኤ ዘተ ንዝለዓሉ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ቁልፊ ግደ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡

ካብ 119 ወረዳታት ዝተውፃእፅኡ ተሳተፍቲ ኩሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ዝውክሉ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.