እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘመሓላለፎ ትእዛዝን ክልከላን
እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘመሓላለፎ ትእዛዝን ክልከላን
ቁጥር 1
ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ንምሕላው ዝወፅአ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ቁፅሪ 6 /2015 ዓንቀጽ 5 መሰረት ብምግባር÷ እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ነዞም ዝስዕቡ ትእዛዛትን ክልከላታትን ደንጊጉ፦
1) ኣብ ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ደብረ ብርሃን፣ ደብረ ማርቆስ፣ ሸዋ ሮቢትን ላሊበላን ንህዝቢ ግልጋሎት ዝህቡ፣ ትካላት መንግስቲ፣ ማሕበረሰብን ንግዲን ካብ 4 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ክፍቲ ንኽኾኑ ኣዚዙ።
2) ኣብ ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ደብረ ብርሃን፣ ደብረ ማርቆስ፣ ሸዋ ሮቢትን ላሊበላን ክሳብ 17 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ዝፀንሕ ሰዓት እቶ እቶ ተነቢሩ ኣሎ፡፡ ብመሰረት እዚ ሃንደበታዊ ግልጋሎት ሕክምና ካብ ዝህባ ተሽከርከርቲ፣ ሰብ ሞያ ሃንደበታዊ ግልጋሎት ሕክምናን መሳርሕቲ መኽበርቲ ፀፅታን ወፃእ ዝኾነ ይኹን ሰብን ተሽከርከርቲን ድሕሪ ምሸት ሰዓት ሓደ ምንቅስቓስ ብጥብቂ ዝተኸልከለ ኢዩ።
3) ካብ ፍቓድ እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ከተማታት ናይ ኣደባባይ ኣኼባ፣ ሰልፊን መሰል ምንቅስቓሳት ምግባር ፈፂሙ ዝተኸልከለ ኢዩ። ከምኡ እውን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ምንቅስቓስ ህዝቢ ዘተኣጓጉሉን ግልጋሎት ትራንስፖርት ዘተዓናቕፍን ተግባር ብጥብቂ ዝተኸልከለ ኢዩ።
4) ኣብ ውሽጢ ብሄራዊ ክልል ኣምሓራ ንስራሕቲ ፀፅታ ካብ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊን ካብኣቶም ፈቓድ ወፃእን ጦር መሳርሒ ሒዝካ ምዝውዋር ፈፂሙ ዝተኸልከለ ኢዩ።
5) ኣብ ብሄራዊ ክልል ኣምሓራ ኣብ ላዕሊ ብታራ ቁፅሪ ሓደ ዝተፀርሓ ከተማታት ምንቅስቓስ ባጃጅን ሞተር ሳይክልን ካብ 4 ክሳብ 17 ነሓሰ 2015 ዓ.ም ፈፂሙ ዝተኸልከለ ኢዩ።
6) ካብ ባጃጃትን ሞተር ሳይክላትን ወፃእ ግልጋሎት ትራንስፖርት ከተማ ዝህባ ተሸከርከርቲ ካብ 4 ነሓሰ ጀሚረን ናብ ስራሕ ናይ ምምላስን ግልጋሎት ምሃብን ግቡእ ኣለወን።
7) ብሽፋን ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ካብ ትእዛዝ እዚ መምርሒ ላዕለዋይ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ወፃእ እዋናዊ ኩነታት ሰበብ ብምግባር ውልቀሰባት ካብ ስሩዕ ኣግባብ ሕጊ ወፃእ ምእሳርን ምፅናሕን፣ ትካላት ንግዲ ምዕሻግን መሰል ስጉምቲታትን ምውሳድ ብጥብቂ ዝተኸልከለ ኢዩ።
ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ትእዛዛትን ክልከላታትን ኣብ ልዕሊ ዝጥሕሱ÷ ብመሰረት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዓንቀፅ 7 ሓይሊ ብምጥቃም፤ ከምኡ እውን ካልኦት ግቡእነት ዘለዎም ሰስጉምቲታት ብምውሳድ ትእዛዝን ክልከላታትን ከፈፅሙ ንኹሎም ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ ጥብቂ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ።
3 ነሓሰ 2015 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ