Fana: At a Speed of Life!

እዋን ቆፀሮ ምርመራ ኣርባዕተ ላዕለዎት መኮንናት ጦር ተቛሪፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ሕገ-መንግስ ብምፍራስ፣ ሚኒሻ ብምስልጠንን ሚኒሻታት ብምውዳብን ኣብ ናይ ቅድሚ ሕዚ እዋን ቆፀሮ ብህወሓት ተገዲድና ኣቲና ኢሎም ንመጋባእያ ዝገለፁ ኣርባዕተ መኮንናት ጦር እዋን ምርመራ ቆፀሮኦም ተቛሪፁ።

እዋን ቆፀሮ ናይቶም መኮንናት ይቛረፅ እምበር ናፃ ተጠርጠርቲ ኢዮም ማለት ከምዘይኮነ ፖሊስ ፌዴራል ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ማእሰርቲ ከምዘይተፈትሑ ዝሓበረ ፖሊስ፥ ጉዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ ጦር ምክልኻል ምዝውዋሩ ገሊፁ፡፡

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ኣኽሱም ካብ ዝተሓብኡሉ ምሽግ ብምውፃእ ብስድረኦም ኣቢሎም ኢዶም ንሰራዊት ምክልኻል ከምዝሃቡ ንቀዳማይ ብርኪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ እዋን ቆፀሮ ምግላፆም ይፍለጥ፡፡

እቶም እዋን ምርመራ ቆፀሮኦም ንኽቋረፅ ዝተገበሩ መኮንናት ጦር፦

  1. ሜጀር ጀኔራል መሓመድኢሻ ዘይኑ ትኩእ
  2. ብርጋዴር ጀኔራል ሙሉጌታ በርሄ ይልማ
  3. ኮሎኔል ገብረእግዚአብሔር ገብረሚካኤል
  4. ኮሎኔል ገብረዋህድ ሃይሉ መሸሻ ኢዮም፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.