Fana: At a Speed of Life!

እዋኑ ብትኽክል ምርዳእን ንገዛእ ርእስኻ ህልውና ምድላውን ይግባእ-ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)እዋኑ ብትኽክል ምርዳእን ንገዛእ ርእስኻ ህልውና ምድላውን ይግባእ ክብል ፓርቲ ብልፅግና ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

እቲ ፓርቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ሐዚ እንርከበሉ ወድዓዊ ሓቂ ህዝብና ብማንነቱ ተፈሊዩ ንምጥፋእ ተሊሙ ምስ ዝተበገሰን ሃገር ንምብትታን ቆሪፁ ምስ ዝተልዓለን ጉጅለ ራዕዲ እናተፋለምና እንርከበሉ እዋን ኢዩ ኢሉ።

ከምህዝቢ ንምጥፋእ ሓሲቡን ተሊሙን ዝተልዓለ ሓይሊ ምስዓር ዝከኣል ከምህዝቢ ሓደ ብምዃን ብምምካት ጥራሕ ኢዩ ኢሉ።

ፀላኢ ካብ መሳሪይኡ ንላዕሊ ኣነፃፂሩ ዝትኩሶ መልሓሱ እንተኣሸቢሩና ሓደ ኮይንና ደው ምባል ኣይከኣልን።

ስለዝኾነ ፀላኢ ኣብ ግንባር ዝበፅሖ ዘሎ ስዕረት ብስኑዕ ፕሮፓጋንዳ ንምምካትን ስነ ልቦና ሰራዊት ንምህናፅን ንወገን ሰራዊት ደጀን ዝኾነ ህዝቢ ንምድንጋር ዝጥቀመሎም ታክቲካት ከምዝኾኑ ብዕሊ ምርዳእን ነዚ እዋን ዝምጥን ስነ ልቦና ምህናፅን የድሊ ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

እዋኑ ብትኽክል ምርዳእን ንገዛእ ርእስኻ ህልውና ምድላውን ይግባእ ክብል እውን ገሊፁ።

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.