Fana: At a Speed of Life!

እንግሊዝ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ትገብሮ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ኣቑሑት ሕክምና ልኢኻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ዘኽእሉ ኣቑሑት ሕክምና ልኢኻ።

እቶም ኣቑሑት ሕክምና ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፥ ዝርገሐ ኮቪድ-19 ንምቁፅፃር ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምሕጋዝ ንኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዝወሃቡ ምዃኖም ካብ ዩኒሴፍ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክፍሊ ምትሕብባር ዓለም ለኸ ልምዓት እንግሊዝ ብዝገበሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ብዩኒሴፍ ኢትዮጵያ ኣቢሎም ዝተገዝኡ ኣቑሑት ሕክምና ኢዮም።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ፥ ናይ ሕክምና ማስክ፣ ንመጥባሕቲ ሕክምና ዘገልግሉ ጋዎናት፣ ሙሉእ ኣካል ዝሽፍኑ ክዳውንቲ ሕክምናን ካልኦት ኣቑሑትን ከምዘካትት ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.