እንግሊዝ ንሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምተጠናኽር ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ዳይሬክተር ልምዓት ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኢትዮጵያ ፖል ዋልተርስ ተዛትዮም፡፡
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን ከምኡ እዉን ኣብ ክልተኣዊ ዕድላት ዕዳጋ ምዝታዮም እቶም ሚኒስት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ንግድን ኢንቨስትመንት ክብ ንምባል ጠመተ ሂባ እናሰርሐት ምዃና ገሊፆም፡፡
ፓል ዋልተርስ ብወገኖም÷ ኢትዮጵያ ንኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም እናገበረቶ ትርከብ ምድላዉ ብምንኣድ÷ ሃገሮም ንሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ከምተጠናኽር ኣረጋጊፆም፡፡