እንግሊዝ ንምዕባለ ካፒታል ዕዳጋ ኢትዮጵያ ደገፍ ከምእትገብር ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ካፒታል ዕዳጋ ክብ ንምባ|ል እንግሊዝ ደገፍ ከምእትገብር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣንጄላ ሬይነር ገሊፀን።
እተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓውዲ መትሕብባር ኢኮኖሚ ክልቲአን ሃገራት ቆላሕታ ዝገበረ መግለፂ ሂበን።
ኣብ መግለፂአን ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ኢኮኖሚ ዝነኣድ ኢዩ ኢለን።
ከልቲአን ሃገራት ኣብ ለምዓት ኢኮኖሚ ብምትሕብባር ይሳርሓ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ ሰብ ሃፍቲ እንግሊዝ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ፣ ትራንስፖርትን ወዘተ ኢንቨስትመንቶም ከምዘጠናኽሩ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ እዋን ብዕሊ ዝጀመረቶ ካፒታል ዕዳጋ ብዝበለፀ ከብ ንምባል ደገፍ ከምዝገብራ እውን ተዛሪበን።
ኢትዮጵያ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ዝጀመረቶ ጉዕዞ ዝነኣዳ እተን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብቲ ዓውዲ ምትሕብባርን ደገፍን ከምዝገብራ ገሊፀን።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ብግደኦም፥ መንግስቲ ዝወሰዶም ስጉምቲታት ምምሕያሽ እቲ ኢኮኖሚ ከምዘነቓቕሑ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ብዝሃ ልምዓት ኢኮኖሚ ገዘፍቲ ውፅኢታት ከምዝተመዝገቡ ኣረዲኦም።
ትካል ልምዓት መንግስቲ ብዝበለፀ ከሳቢ ብምዃን ኣብ ኢኮኖሚ ዝሓሸ ግደ ይፃወት ከምዘሎ ተዛሪቦም።