Fana: At a Speed of Life!

እንግሊዝን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ትገብሮ ፃዕሪ ከምዝድግፋ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር  ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ሚኒስትር ዴኤታታት ንግዲ እንግሊዝን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ተዛቲዩ፡፡

እቲ ዘተ ኣብ ኣቡዳቢ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 13 ጉባኤ ሚኒስትራት ትካል ንግዲ ዓለም ጎድና ጎድኒ ዝተኻየደ ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ እቶም ልኡኻት ምስ ሚኒስትር ዴኤታት ንግዲ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ታኒ ቢን ኣህመድ ኣል ዘዩዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

ኢትዮጵያ መለክዒታት ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ንምዝዛም እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪን እቲ ከይዲ ዝበፅሐሉ ብርኪን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ፡፡

ብተመሳሳሊ ልኡኽ ኢትዮጵያልዑክ ምስ ሚኒስትር ዴኤታት ፖሊሲ ንግዲ እንግሊዝ፣ ኣባል ፓርላማን ሚኒስትር ለንደንን ግሬግ ዊሊያምስ ሃድስ ተዛቲዩ።

ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ እንግሊዝ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ከይ ንምዝዛም ዝጀመረቶ ፃሪ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግበር ተዛሪቦም።

እንግሊዝን ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብን ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን ዝጀመረቶ ፃዕሪን ክሳብ ሕዚ ዝገበረቶ ጉዕዞን ከምዝነኣዳ ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.