እንጆሪን ሳፍሮንን ንዕዳጋ ወፃኢ ዘቕርብ ኩባኒያ ናብ ስራሕ ከምዝኣቲ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘበናዊ መገዲ እንጆሪን ንእታዎት መድሓኒት ዘገልግል ዕንበባ ሳፍሮንን ብምፍራይ ንዕዳጋ ወፃኢ ዘቕርብ ኩባኒያ ኣብ ቦሌ ለሚ ኢንዱስትሪ ፓርክ ንምጅማር ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍስሃ ይታገሱ(ዶ/ር)ን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋርሚንግ ኢንዱስትሪስ ኣፍሪካ ናሱር ማሃማት ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
እቲ ኩባኒያ፥ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ብቨርቲካል ፋርሚንግ ብምፍራይ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝልእኽ ኢዩ ተባሂሉ።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ግንባር ቀደም ናይ እንጆሪን ሳፍሮንን ለኣኺት ሃገር ንምግባር ከምዝስራሕ ናሱር ማሃማት ገሊፆም።