Fana: At a Speed of Life!

እንኳዕ ንመበል 17 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት(መዓልቲ ኢትዮጵያ) ኣብፀሐኩም -ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 17 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ሎሚ ዘበን ዝኽበር እቲ በዓል “ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንዘላቒ ሰላምና” በዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ኢዩ ኢሎም።

ዘላቒ ሰላም ዝህልወና ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ምፅናዕ እንትንክእል ኢዩ ብምባል፥ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ብዘይ ዘላቒ ሰላም፣ ዘላቒ ሰላም አወን ብዘይ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ክዕወቱ ከምዘይኽእሉ ገሊፆም።

በዓል ብሄር ብሄረሰብ በዓል ኢትዮጵያ ከምዝኾነ አወን ሓቢሮም።

ኢትዮጵያ ማለት ክብሪ፣ ባህሊ፣ ታሪክ፣ ቅርሲ፣ ቋንቋን ጥበብን ብሄር ብሄረሰባት ብሓባር ዝግለፅሉ ናይ ሓባር ማንነት ከምዝኾነ ድማ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊነትን ኣብ መድረኽ ዓለም ሰዓርቲ ብምዃን ንክወፅኡ እንተደሊና ኩላትና ሰዓርቲ እንኾነሉ መገዲ ክንፈጥር ኣለና ብምባል፥ ነዚ ድማ ንኹላትና እትኸወነ ኢትዮጵያ ምህናፅ እንትንክእል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ክኾኑ ኣይነበሮምን እንብሎም ጌጋታት እንእርም ፅባሕ ብእንሃንፃ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ንኹሉ እትኸውን ኢትዮጵያ ምህናፅ እንኽእል ኩላትና ፅባሕ ጠሚትና እንትንሰርሕ ኢዩ እውን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.