Fana: At a Speed of Life!

እንተተሓባቢርና ጥንኩር ዞባ ክንፈጥር ንኽእል ኢና – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እንተተሓባቢርናን እንተተደጋጊፍናን ብሓባር ብምልማዕ ጥንኩር ዞባ ክንፈጥር ንኽእል ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም።
 
ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ሩባ ናይል ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ናብ ተፈፃምነት ኣቲዩ፡፡
 
ነዚ ስዒቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣብ ተፋሰስ ሩባ ናይል ዝተገበረ ማዕቐፍ ስምምዕነት ናብ ተፈፃምነት ምእታዉ ንሓበራዊ ምዕባለ ዓንዲ ሑቐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
 
ኣብ ተፋሰስ ሩባ ናይል ዝተገበረ ማዕቐፍ ስምምዕነት (ሲ ኤፍ ኤ) ናብ ተፈፃምነት ምእታው ማይ ኣባይ ብፍትሓውነትን ምኽንያታዊ ብዝኾ መገዲን ንምጥቃም ዝተጉዓዞ ነዊሕ ጉዕዞ መዕለቢ ዝገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
 
“እቲ ስምምዕነት ናብ ተፈፃምነት ዝኣተወሉ ሎሚ መዓልቲ ንሃገራት እቲ ተፋሰስ ታሪኻዊ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ሓቀኛ ምትሕብባር ንምድናፋዕ ብሓባር ንእንገብሮ ፃዕሪ መሰረት ኢዩ” ኢሎም፡፡
 
እቲ ማዕቐፍ ስምምዕነት ጋህዲ ንኽኸውን ዘኽአሉ ኣካላት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
 
ብኻእ መዳይ እቲ ስምምዕነት ዘይፈረሙ ኣካላት ንኽፍርሙ ፃውዒት ብምቕራብ÷ እንተተሓባቢርናን እንተተደጋጊፍናን ኩልና ብሓባር ብምልማዕ ጥንኩር ዞባ ምፍጣር ንኽእል ኢና ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.