Fana: At a Speed of Life!

እንቋዕ ን2 ጳጉሜን መዓልቲ ሪፎርም ኣብፀሐኩም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ )እንቋዕ ን2 ጳጉሜን መዓልቲ ሪፎርም ኣብፀሐኩም ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ 2 ጳጉሜን 2016 /ም፣ ናይ ሪፎርም ዕለትሪፎርም ንዝለዓል ኣገልግሎትብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ተኺቢሩ ክውዕል ኢዩ ኢሉ።

ከም ሃገር ዘጋጠሙና ናይ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ስብራታት ንምፅጋንን ኩለ መዳያዊ ምዕባለ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምርግጋፅን ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ተጀሚሮም ኢዮም ኢሉ።

ውፅኢታት እውን ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጡ።

ብዝተለመዱ ኣሰራርሓታት፣ ሕጊታት፣ ፖሊሲታትን ትካላትን እንደሊዮ ኩለ መዳያዊ መዕባለ ምምፃእ ኣይከኣልን ዝበለ እቲ ኣገልግሎት፥ ስለዝኾነ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ናይ ሪፎርም ስጉምቲ ተወሲዱ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ናይ ሕጊ፣ ናይ ኣሰራርሓ፣ ናይ ፖሊሲን ናይ ኣተሓሳስባን ለውጥታት ኢሉውን ናይ ትካላት ሪፎርም ብምግባሮም ዘተባብዑ ለውጥታት ተራእዮም ኢዮም ከብል ገሊፁ።

ኣብ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ካብ ዝተገበሩ ናይ ትካላት ሪፎርም ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ሪፎርም ኢዩ ኢሉ።

እዚ ድማ ኣብ ነበር ስርዓት ናይ ዴሞክራሲ ትካላት ናይ ዜጋታት ዴሞክራሲያዊ መሰላት ካብ ምኽባር ወፃእ ናይ ሓደ ጉጅለ ፀቢብ ድልየት ንምሕላው ዝተወደቡ ትካላት ነይሮም ኢሉ።

ብምዃኑ ናይ ህዝቢ ዴሞክራሲያዊ ሕቶ ብምምላስን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምንጋስን ዘጋጠሙ ናይ ፖለቲካ ስብራታት ንምእራም ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን፣ ናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ቦርድ፣ ናይ ህዝቢ ሓባሲ ንብዓት ትካል፣ ፍርዲ ቤታትን ካልኦት ትካላትን ነፃን ገለልተኛን ኮይኖም ነክሰርሑ ሪፎርም ከምዝተገበሩ ገሊፁ።

እቶም ትካላት ካብ ናይ መንግስቲ ፅዕንቶ ሙሉእ ንሙሉእ ነፃ ኮይኖም ስርሖም ምክያድ ምጅማሮም እውን ሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.