Fana: At a Speed of Life!

እናዓበያ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ጉድለት ፋይናንስ ንብረት ኣየር ምምላእ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሌማዊ ለውጢ ንዝፈጠሮም ማሕለኻታት ምላሽ ንመሃብ እናዓበያ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዘሎ ጉድለት ፋይናንስ ንብረት ኣየር ምምላእ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ቀንዲ ተጠቃዒት ክሌማዊ ለውጢ ምዃና ኣመልኪቶም።

ክሌማ ለውጢ ብዘምፀኦ ሓያል ኩነታ ኣየርን ድርቂን ውሕስና ምግቢን ማይን ዜጋታት እናተፈታተነን ምዕባለ ሃገር እናጎድአ ከምዝኾነን ሓቢሮም።

“ከምዚ ንዝበሉ ማሕለኻታት ምላሽ ንመሃብ እውን ኣብ መበል 27 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተኣተወ ቃል ሓገዝ ፋይናንስ ንተጎዳእቲ ሃገራት ብመሃብ ጭቡጥ ስጉምቲ የድሊ” ኢሎም።

መበል 28 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተተኣናግድ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ኣብ ሞንጎ ዝምልከቶም ኣካላትን ሃገራትን ምርድዳእ ብምፍጣር ካብቲ ጉባኤ ጭቡጥ ውፅኢት ከምተምፅእ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.