እናተወሰደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ ይካየድ ኣሎ – መንግስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)እናተወሰደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ውፅኢታዊ ብዝኾነ መልክዑ እናተኻየደ ምዃኑ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ሸኔ ብዝተወሰደ ስጉምቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣንጻራዊ ሰላም ምዕሳሉን ኣብ ትሕቲ ትሕዝቶ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝነበሩ ከባቢታት ምልቃቕ ከምዝተኽኣለን ገሊፀን፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ እናተወሰደ ኣብ ዝርከብ ወፍሪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣብቲ ክልል ሰላም ከምዝዓሰለ ኣብሪሀን።
ጎና ጎድኒ እቲ ምኅባር ሕጊ እውን ሕቶ ልምዓት ማሕበረሰብ ንምምላስ ለዝብ እናተገበረ ከምዝኾነ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ሓቢረን።
መንግስቲ ውዳብኡ እናጽየ ስጉምቲታት ወፍሪ ምኅባር ሕጊ እናወሰደ ከምዝኾ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር ደኤታ፥ እቲ ወፍሪ ምኅባር ሕጊ ሕዚ እውን ከምዘይተዛዘመ ተዛሪበን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።