Fana: At a Speed of Life!

እናተመዝገቡ ዝርከቡ ዓወታት ተጠናኺም ንኽቕፅሉ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ይካድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊን ከተማዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ፡፡

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባ መለሰ ኣለሙ ከምዝገለፁዎ÷ ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሕ መድረኽ ዋጋ ደም እናተኸፈለሉ ዝርከብ ናፅነት ብረሃፅና ንኽነቐፅሎ፤ ኣብ ዓውዲታት ኢኮኖሚ፣ ዴሞክራሲን ዲፕሎማሲን ዝርከቡ ዓወታት ንኽፀንዑ ኣብ ዝሕግዙ ኣንፈታት ትኹት ክገብር ኢዩ፡፡

ኣብ ሉኣላዊነትን ናፅነትን ዝተርኣየ ሓድነት ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ክድገም ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም፡፡

እቲ ኣመራርሓ ንህዝቢ ምላሽ ንመሃብ ቃል ዝኣተዎም ወሰንቲ ሕቶታት ኣብ ምፍታሕ ዘለዉ ዓወታትን ማሕለኻታትን ከምኡ እውን መፍትሒታትም ኣብቲ መድረኽ ከምዝድህሰሱ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.